ናብ ክቡራን ህዝበ ክርስቲያን ኣብ ርሑቅን ቀረባን እትርከቡ፥ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ኣብ ዘዘሎኹሞ ንዓኹም ይኹን።

ቀጺልና ናይ ታቦትና ቅዱስ ሚካኤል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ ኣብ ሻርሎት ዓመታዊ ክብረ-በዓል ንግደት ንቀዳም ዕለት 21 ሕዳር (November) ክንገብር መዲብና ስለ ዘሎና፡ ከምቲ ኣቦና ዳዊት “መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ንእግዚኣብሔር ዝፈርህዎ ይሰፍር። ካብ ድንገት ከኣ የናግፎም። መዝ 34፡7 ዝበሎ እቶም ኣብ ርሑቕ ዘሎኹም ብጸሎት፥ እቶም ኣብ ከባቢና ዘሎኹም ድማ ብኣካል ተረኺብኩም፥ ብጸሎተ-ቅዳሴ ንልዑል ኣምላኽ ሓቢርና ከነመስግንን ክንምህለልን ምስ ሙሉኣት ስድራ ቤትኩም ተሳተፍቲ ክብረ በዓልና ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም።

ሰዓታት መደብ ክብረ በዓል:-

ዕለት:                            ቀዳም 21 ሕዳር (November) 2020

ጸሎተ ነግህን ማሕሌትን        7፡00 --- 9፡00 ንጕሆ

ጸሎተ ቅዳሴ                     9፡00 ---11፡00 ቅድሚ ቀትሪ

ስብከትን ዑደትን               11፡00 ---12፡00 ቀትሪ

ምሳሕ ንግደት                  12፡00 ---2፡00 ድሕሪ ቀትሪ

ብደሓን ምጹ!!! 

ኣድራሻና:-

St Michael Eritrean Orthodox Tewahdo Church
8812 Robinson Church Rd
Charlotte, NC 28215

በረኸትን ረድኤትን ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኩልና ይኹን።

ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ኤርትራ ኣብ ሻርሎት