ዓመታዊ ክብረ-በዓል ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ከተማ ሻርሎት ተኸቢሩ!

ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከተማ ሻርሎት ሰሜን ካሮላይና ከምቲ ልሙድ ዓመት መጸ ብኽብሪ ዝበዓል ሎሚ ዓመትውን ብቀዳም ዕለት 20 ሕዳር 2021 ኣ.ፈ (፲ ሕዳር ፳፻፲፬ ዓ.ም) ብዝደመቐን ምዕሩግ ኣገባብን ንመበል 12ተ ግዜኡ ተኸቢሩ ውዒሉ። እዚ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ብዝመጹ ብብዝሒ ኣጋይሽ ነጋድያን፥ ምእመናን ነበርቲ ከተማ ሻርሎት፥ ውሉደ ክህነትን መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ዝተሳተፍዎ፥ ዓቢይ መንፈሳዊ ክብረ በዓል ብኃይሊ ኣምላኽን፥ ብረድኤት ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክትን ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ተስፋን በረኸትን ብዝመልኦ ድሙቕ ኣገባብ እዩ ተኸቢሩ ውዒሉ።

 

መንፈሳዊ ኣገልግሎት ናይቲ ዓመታዊ ክብረ በዓል ብድሮ ዓርቢ ብዋዜማን ጸሎተ-ሰርክን  እዩ ጀሚሩ። ቀዳም ወጋሕታውን ኣቦታት ቆሞሳት ውሉደ-ክህነትን ማሕበረ-ምእመናንን ብዝተሳተፍዎ ጸሎተ ነግህን ነቲ ዕለት ዝምልከት ማሕሌትን ጸሎተ ቅዳሴን ዓሪጉ። ናይ ዕለቱ ስብከተ-ወንጌል ድማ ብሊቀ-ማእምራን መሪጌታ ሠመረኣብ ካብ ኦ/ዘጸኣት 23፡20 ‘’ኣብ መገዲ ክሕልወካ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ኼእትወካ፥ እንሆ መልኣኽ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣሎኹ። ኣብ ቅድሜኡ ተጠንቀቕ፥ ድምፁ ከኣ ስማዕ። እምቢ ኣይትበሎ። ካብ ዝብል ኣገዳሲ ጥቕሲ መሠረት ብምግባር፥ ናይ ቅዱሳን መላእኽቲ ሰማያዊ ዕዮን ንደቂ ሰባት ዝህብዎ ኣገልግሎትን ብመሠረት መጽሓፍ ቅዱስ (ዕብ 1፡14) ግሩም ዝኾነ መንፈሳዊ ቃል ኣምላኽ ተዋሂቡ።

ሚካኤል ማለት መን ከም እግዚኣብሔር ማለት እዩ። ኣቦና ዳዊትውን “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ዚመስል የልቦን” ክብል ገሊጽዎ ንረኽቦ።መዝ 113፡5። በዚ መሠረት ድማ ኣምላኽ “ንህዝቢ እስራኤል ካብ ጭቆና ፈርዖንን መግዛእቲ ግብጽን” ብረድኤት ሊቀ-መላእኽት ቅዱስ ሚካኤልን መሪሕነት ነቢይ ሙሴን ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ክልተ መቒሉ፥ናብታ ምድሪ ርስትን ተስፋን ከም ዘእተዎም፥ መድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ንመከራ ቤተ ክርስቲያናን ሽግር ሃገርናን ቀንጢጡ ንኣመንቲ ጽድቂ፥ ንብኡሳት ዕርቂ፥ ንግፉዓት ፍትሒ፥ ንጨካናት ዝርህር ልቢ ክህቦም ጸሎተ-ምህልላ ተገይሩ፡ እትዉ-በሰላም! ተባሂሉ ጸሎተ-ቡራኬ ምስ ተገብረ ታቦት ብኽብሪ ውሉደ-ክህነት ተዓጂቡ፥ ተመሃሮ ት/ሰንበት ብዝተፈላለዩ መዛሙርን ብዕልልታን ኣዴታትን ተሰንዩ ዑደት ተኻይዱ። ብድሕሪ እዚ ብምእመናን ንዝተዳለወ ምሳሕ ንግደት ኩሉ ህዝቢ ተመጊቡ። በዚ ኣጋጣሚ ንኩልኹም ነጋድያን ንግደት ኢየሩሳሌም ይግበረልኩም እናበልና፥ ዕዙዝ መንፈሳዊ ምስጋናና ብምቕራብ ንኹልኹም ተሳተፍቲ ክብረ-በዓልና እግዚኣብሔር ጻማኹም ይኽፈልኩም ንብል።

በረኸትን ረድኤትን ሊቀ-መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኩልና ይኹን!

ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ሊ/መ ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎት