እዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌል፡ ኣብ ምድሪ ገሊላ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ ዝተፈጸመ ኣስተርእዮ (ግልጸት) ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስክርስቶስ እዩ። እቲ ኽሳዕ እዚ እዋን’ዚ ብእኩባቶም ክልተ ሳዕ ዝተራእዮም፡ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም’ዩ ዝነበረ። በቲ፡ “ናብ ገሊላ ኽቕድመኩምእየ” ዝበሎም መሰረት ናብ ዓዶም ተመሊሶም ነበሩ።

ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝሻብዓዮም ሾብዓተ ኻብቶም ሃዋርያት ብሓደ ነበሩ። እቲ “ከይረኣኹን ከይዳህሰስኩን ኣይኣምንን’የ” ኢሉ ዘቕበጸ እሞ፡ ጐይታብሕያውነቱ ዳግም ተገሊጹ ኢዱ ኣብቲ ብገዘፍቲ ምስማር ዝነኾለ ኣእዳውን ኣብቲ ብዅናት ዝተወግአ ጐድኑን ኣእዳው ኣእትዩ ኺድህሰስዝተፈቕደሉ፡ ምስ ዳህሰሰ ድማ ብገጹ ተደፊኡ “ጐይታይን ኣምላኸይን” ኢሉ ዝሰገደ፡ “ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን” ተባሂሉ ዝተማዕደሃዋርያ ቶማስ ካባታቶም ሓደ ነበረ። እቲ ጐይታ ምስ ረኣዮ፡ “እንሆ ጕርሒ ዘይብሉ ቅኑዕ እስራኤላዊ” ኢሉ ዝመስከረሉ፡ “መምህር፡ ንስኻ ወዲኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ” ኢሉ ዝተኣመነ እሞ፡ በዛ ንእሽቶ ነገር ካብ ኣመነን ተኣመነን፡ ካብዚ ዚዓብይ ማለት ሰማይ ተኸፊቱ፡መላእኽቲ ኣምላኽ’ውን ናብ ልዕሊ ጐይታኡ ኺወርዱን ኪድይቡን ከም ዚርእይ ዝተነግረሉ ሃዋርያ ናትናኤል’ውን ምሳታቶም ነበረ። እቶምጐይታ ኻብ ብጾቶም ፍልይ ኣቢሉ እናወሰደ ፍሉይ ምስጢራት ዘርኣዮም ክልተ ደቂ ዘብዴዎስ ዮሃንስን ያእቆብን ከምኡ ድማ ጴጥሮስን ኣብኡነበሩ። መንነት ናይቶም ካልኦት ክልተ ግና ኣይተገልጸልናን። እዞም ሰለስተ ምርኡያት ሃዋርያት፡ ኣብ ደብረ ታቦር ብመለኮታዊ ግርማኡ ኸምጸሓይ ደሚቝ፡ ንሊቀ ነብያት ሙሴ ካብ ብሔረ ሙታን፡ ንነብዪ ኤልያስ ድማ ካብ ብሔረ ህያዋን ጸዊዑ ኼዘራርብ ከሎ ብገዛእ ኣዒንቶም ዝረኣዩህያዋን መሰኻኽር እዮም። ካብ ሞት ተንሲኡስ ምስናይ’ቲ ዚድህሰስን ዚምገብን ግዙፍ ስጋኡ ብዕጹው ቤት ኪኣትው ከሎ ዝረኣዩ ሰባት ድማእዮም።

ብፍላይ እቶም ሰለስተ ምርኡያት ሃዋርያቱ፡ ብተኣምራዊ ምግፋፍ ዓሳ ናብ እምነት ዘምጽኦምን፡ ካብ ሞያ ምግፋፍ ዓሳ ኣውጺኡ ናብ ሞያምግፋፍ ሰብ ዘእተዎም ደቀ መዛሙርቲ ምዃኖም ኪርሳዕ ኣይግባእን እዩ (ሉቃ 5፡1-11)። ኣብተን ንእኡ ዝሰዓቡለን ናይ ሰለስተ ዓመትንመንፈቕን ጊዜ ዓሳ ብምግፋፍ ተመጊቦም ኣይፈልጡን እዮም። ኪልእኮም ከሎ፡ ናይ ወርቂ፡ ብሩር ወይ ኣስራዚ ገንዘብ ከይቋጽሩ፡ ቅያርክዳውንትን ሳእንን ከይማልኡ ኸልኪሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መወዳእታ ኺፋነዎም ከሎ፡ “እቲ ብዘይ ሳእኒ ብዘይ ስንቂ፡ ብዘይ ማሕፉዳ ምስለኣኽኩኹምሲ ገለዶ ጐዲሉኩም፧” ኢሉ ሓቲቶዎምሲ፡ “ሓንቲ እኳ ኣይጐደለናን” ኢሎም ዝመለሱ መግቦተ-እግዚኣብሄር (providence of God) ዝተኣመኑን ዝመስከሩን ሰባት እዮም። (ማቴ 10፡9,10 ሉቃ 22፡25)። ድሕሪ ትንሳኤኡ ኽልተ ጊዜ ብተኣምራዊ መገዲ ተገሊጹንተዳህሲሱሎምን ኬብቅዕ፡ ሕጂ ናይ ምግፋፍ ሰብ ተልእኾኦም ሓዲጎም ንድሕሪት ናብ ምግፋፍ ዓሳ ዚምለሱሉ ምኽንያት ደኣ እንታይ እዩ፧

እዚ ታሪኽ እዚ ንምህሮና ንመለበሚና ዝተጻሕፈ ኽቡር ቃል እዩ። ድኻም ቅዱሳት ኣብ መጽሓፍ ሓቲሙ ዚህብ ኣምላኽ ኢና እነምልኽ። እዞምከምዚ ዝበለ ግብርን ክብርን ናይ ክርስቶስ ዝረኣዩ፡ ንእኡ ንምስዓብ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈሉ ምርኡያት ሃዋርያት ከምዚ ዝበለ ንድሕሪት ናይምምላስ ሓደጋ ዜንጸላልዎም እንተ ዀይኑ፡ ንሕና እዞም ዚበዝሕ ክፋል ህይወትናን ናብራናን ኣብ ዓለም ጥሒሉ ዚርከብ ድኹማት ሰባትከ ደኣማዕረ ኽንደይ እቲ ሓደጋ የንጸላልወና ኣሎ ማለት’ዩ፧ ስለዚዶ ኣይኰነን ቃል እግዚኣብሄር “እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ ኸይወድቕ ይጠንቀቕ። . . . ፍራህ ደኣ እምበር፡ ብልብኻ ኣይትተዓበይ።” ኢሉ ዜጠንቅቐና (1ቈረ 10፡12 ሮሜ 11፡20)። እምበኣር ንድሕሪት ምምላስ፡ ደረጃ ዕድመ ደረጃማዕርግ መንፈሳዊ ተመክሮ ወዘተ ዘይፈልይ ንዅሉ ሰብ ኬጋጥሞ ዚኽእል ሓደገኛ ክስተት እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ሰለስተ ዓይነት ንድሕሪትናይ ምምላስ ኵነት ከም ዘሎ ኢና እንግንዘብ ። እቲ ቀዳማይ ኣቦኡን ኣዲኡን ዘፍለጠ፡ ከም ናይ ዴማስ ዝበለ፡ ብፍቕሪ ዓለም ተማሪኽካ ንጐይታዝባንካ ሂብካ ምኻድ እዩ (2ጢሞ 4፡10)። ምስላ ናይቲ ጥፉእ ወዲ፡ ጐይታ ንኸምዚ ዓይነት ውድቀት ንምግላጽ ዝተጠቕመሉ ምስላ እዩ (ሉቃ15፡11-32)። እቲ ኻልኣይ ዓይነት ድማ፡ ብኣካል ኣብቲ መንፈሳዊ ዓለም እናሃሎኻን ልብኻ ግና ናብ ዓለም ኪምለስ ከሎ እዩ። እግርኻ ንቕድሚትይኸይድ፡ ኣእዳውካ ዕርፊ ጨቢጡ ማሕረስ ይቕጽል ኣሎ፡ ኣዒንትኻን ልብኻን ግና ንድሕሪት ናብ ዓለም ይጥምት እንተ’ዩ፡ ከምቲ ስራሕሃዋርያነቱ ኸይገደፈ፡ ብፍቕሪ ገንዘብ ተለኺፉ ንድሕሪት ዝተመልሰ ሃዋርያ ይሁዳ ትኸውን ኣሎኻ ማለት እዩ። እዚ ዓይነት ምምላስ እዚ፡ “እንተዘይውለድ ምሓሸ ነይሩ” ዜብል ሓደገኛ ዅነት እዩ። “ተመለስ” ከይብሉኻ ዕርፊ ጨቢጥካ ካብቲ ዕዮ ከም ዘይተፈለኻ ይርእዮ ኣለው። “ጽቡቕኣለኻ ቀጽል” ከይብሉኻ ድማ፡ ኣዒንትኻን ልብኻን ንድሕሪት ተሳሒቡ፡ በቲ ማሕረሻ ነቲ መሬት ዘይኰነስ እግሪ ኣብዑር እናወጋእካ ነቲ ዕዮከተብኵሮ ይዕዘቡኻ ኣለው። ስለዚ ኣሎ እናተባሃልካ ክትጠፍእ ዚገብር ሓደገኛ ኵነት እዩ። እቲ ሳልሳይ ዓይነት ድማ ካብ ጸጋ ኣምላኽ ምጕዳልእዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ሓደ እኳ ኻብ ጸጋ ኣምላኽ ከይጐድል፡ ንብዙሓት ዜርክስ ገለ መሪር ሱር (ሓጢኣት) በቝሉ ኸየጨንቐኩም ተጠንቀቑ”ብምባል ኣጠንቂቝና ኣሎ (እብ 12፡15)። ቃል እግዚኣብሄር እናወሰኽናን እናዓቤናን ክንከይድ እዩ ዚምዕደና (1ጢሞ 4፡15 2ጴጥ 1፡8)። ይትረፍክትጐድል፡ ከይወሰኽካ ኣብቲ ዘለኻዮ ደሪቕካ ምትራፍ’ውን ንድሕሪት ምምላስ ምዃኑ ኣይንዘንግዓዮ። ምኽንያቱ እቶም ዚውስኹ ዘለውሓዲጎምኻ ይኸዱን ንድሕሪት ትተርፍ ስለ ዘለኻን እዩ። እቲ በዓል ሓንቲ መክሊት ሃካይ ባርያ፡ ነታ ዝተዋህበቶ እኳ እንተ ዘየጥፍኣ፡ ስለ ዘይወሰኸላግና ካብ ፍርዲ ኼምልጥ ኣይከኣለን። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብታ ርኽስቲ ዓለም ኣምሊጦም፡ከም ብሓድሽ ብእኣ ተጠሊፎም እንተ ተሳዕሩ፡ ካብ ቀዳማዮም ዳሕራዮም ዝገደደ እዩ ዚኸውን ማለት ንሳቶም እናፈለጥዋ ካብቲ ዝተዋህቦምቅዱስ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዚምለሱስ፡ ነታ መገዲ ጽድቂ እንተ ዘይፈልጥዋ ምሓሾም ነይሩ። ከምቲ እቲ ምስላ ሓቂ ‘ከልቢ ናብ ትፋኡተመልሰ፡ ሓሰማ’ውን ተሓጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት፡’ ዚብሎ በጺሕዎም ኣሎ።” ብምባል ክብደት ናይዚ ኣበሳ’ዚ ገሊጹልና ኣሎ (2ጴጥ 2፡20-22)። እግዚኣብሄር በቶም ንድሕሪት ዚምለሱ ኣዝዩ ይሓዝን እምበር ባህ ኣይብሎን እዩ። እቲ ሃዋርያዊ ቓል ድማ ንሕና ምስቶም ምድሓንነፍሶም ኪረኽቡ ዚኣምኑ እምበር፡ ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ኽንከውን ከም ዘይግብኣና ኣፍሊጡና እዩ (እብ 10፡38,39)።ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነቶም ሰማያዊ ጕዕዞ ብስጋ ኺፍጽሙ ዚደናደኑ ዝነበሩ ሰብ ገላትያ፡ “ሕጂ ደኣ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ፡ ምናዳውን ንሱምስ ፈለጠኩም (ኣፍልጦ ምስ ሃበኩም፡ ምስ ተቐበለኩም) ከመይ ኢልኩም ናብቲ ሕማቕን ድኻን ምህሮ ቝልዕነት ከም ብሓድሽ ትምለሱኣለኹም፧ ከም ብሓድሽ’ውን ካብ መጀመርታ ሒዝኹም ባሮቱ ኽትኰኑ ትደልዩ ኣሎኹም፧” ብምባል ንድሕሪት ምምላስ ፈጺሙ ኺሕሰብንኪኽሰትን ከም ዘይብሉ ኣመልከተሎም (ገላ 4፡9,10)። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ ኣኽሊል ኵሉ ምስጢራት ዝዀነምስጢር ቍርባን (ካብ ስጋኡን ደሙን ምውሳድ) ንህይወትን ንምድሓንን ኪዀኖም ኢሉ ምስ ገለጸሎም፡ “እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ፡ መንኪሰምዖ ይኽእል፧” ኢሎም ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቲ ንድሕሪት ተመልሱ (ዮሃ 6፡52-66)። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብኣካል ቈምና እናሃለና በዚምስጢር እዚ ንድሕሪት ዝተመለስና፡ ካብ ሓጢኣት ካብ ምፍላይ፡ ካብ ቅዱስ ቍርባን ምፍላይ ዝምርጫና “ክርስትያን” ህዝቢ እግዚኣብሄርይቝጸረና።

ነቶም ካብ ደረጃ ጽውዓት ናብ ደረጃ ሕሩያት ዝተሳገሩ ባሮቱ ግን ጐይታና ይጥፍኡ ኣይሓደጎምን። ናብታ መጀመርታ ኺጽውዖም ከሎ ዝነበርዋባሕርን ጃልባን ተመሊሱ መጾም፡ ከምቲ መጀመርታ ኺጽውዖም ከሎ ዘርኣዮም ተኣምር፡ ሕጂ’ውን ብሞትን ብትንሳኤን ተፈልዩ ከሎ’ውንኪገብርን፡ ንናብራኦም ኪሓልየሎምን ኪመልኣሎምን ከም ዚኽእል ምእንቲ ኼረጋግጸሎም፡ ኣብቲ ንድሕሪት ዝተመልሱሉ ቦታን ሞያን ተረኽበ።ሾብዓተ ምኩራት ገፈፍቲ ዓሳ ምሉእ ለይቲ ኺጋደሉ ሓዲሮም ሓደ ንእሽቶ ዓሳ ኺሕዙ ኣይከኣሉን። ናብቲ ምሉእ ለይቲ ኺድርብዩሉ ዝሓደሩሸነኽ መርበቦም ኪድርብዩ ብምእዛዝ፡ ኪስሕብዎ ዘይክእሉ መጠን ዓሳ ሃቦም። ዋላ ኣብቲ ዚመልክዎ ሞያ እኳ፡ ንሱ እንተ ዘይሂብዎም ዝዀነነገር ኪረኽቡን ኪገብሩን ከም ዘይክእሉ ኣረጋገጸሎም። ሃዋርያ ጴጥሮስ እታ ቐዳመይቲ ናብ እምነትን ሃዋርያነትን ዘብቅዓቶ ተኣምራት ምስተደግመትሉ፡ “ጐይታና እምበር’ዩ” ብምባል ኣለለዮ እሞ፡ ኽዳውንቱ ተኸዲኑ ናብቲ ባሕሪ ተወርወረ፡ ነቲ ዝረኸቦ ዓሳ ኣብቲ ባሕሪ ሓዲጉ፡ ናብቲ“ሰዓበኒ” ኢሉ ዝጸውዖን ዝሓረዮን ጐይታ ተመልሰ። ሎሚ’ውን እግዚኣብሄር ርእሱ ብዘይ ምስክር ዘይሓድግ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ “ጐይታናእምበር’ዩ” ዜብለና ሓያሎ ተኣምራት ኣብ ናብራን ኣገልግሎትናን ይገብር ከም ዘሎ ኣስተውዒልና፡ ካብቲ ንድሕሪት ዝተመለስናሉን ዝጐደልናሉንገጻት ህይወት፡ ናብ ጐይታ ገጽና ብምምላስ ንጕድለትናን ድኻምናን ንምልኣዮ እሞ፡ ንጐይታና ባህ ነብሎ!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥   ሰንበት ግንበት 6, 2018    (ሚያዝያ 28, 2010 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 78(77)፡29-30

በልዑ ወጸግቡ ጥቀ። ወወሃቦሙ ፍትወቶሙ። ወኢያኍጥዖሙ እምዘፈቀዱ።

በልዑን ኣዝዮም ጸገቡን፡ ትምኒቶምውን ሀቦም። ትምኒቶም ገና ኸይወድኡ፡ ብልዖምውን ገና ኣብ ኣፎም ከሎ፡

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ሮሜ 4፡14- ፍጻ

ዲያቆን

ወንጌል፡ ዮሃ 21፡1-15

ራእ 20፡1-ፍጻ

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም)

ግብ 10፡39-44

ንፍቀ ካህን