እዚ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ንብባ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ኣብ ዚርኸብ ደብረዘይቲ ኣብ ዚብሃል ከረን ኰይኑ ዝተዛረቦ እዩ። ስለዚ ድማቅድስቲ ቤተ ክርስትያን፡ ነዚ ሰንበትን ሰሙንን፡ “ደብረ ዘይት” ኢላ ብምስማይ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና እንመሃረሉን እነስተንትነሉን ኪኸውን መዲባቶ ትርከብ።

ምጽኣት ጐይታ ኣብ ዓመት ንሓንቲ ሰሙን ጥራሕ ኪዝከር ኣለዎ ማለት ግና ኣይኰነን። መዓልታዊ ኽንሓስቦን፡ ንዅሉ ናብራና ድማ ጐይታ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ከምዚመጽእ ጌርና ክንነብሮ እዩ ዚግብኣና። እቲ ዕለታዊ ብኸምኡ ዘይነብር ሰብ ግና ኵሉ ግዜ ተዳህሊሉ ስለ ዝጸንሕ ብምጽኣት ጐይታ ኺጕዳእ እምበር ኪረብሕኣይክእልን እዩ። እቶም ጐይታ ብምጽኣቱ ኺገሃድ ከሎ ብህይወት ዚጸንሑ ሰባት፡ ምስቲ ሓፈሻዊ ቝጽሪ ኻብ ዘመን ኣዳም ጀሚሩ ዝነበረ እሞ ሞይቱ ዝጸንሐኪነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ውሑድ እዩ ኪከውን። እዚ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ዚረኽብዎ ዕድል፡ ኵሉ ሰብ ዘይረኽቦ እንተ ዀይኑ፡ ንምንታይ እዩ ዅሉ ወለዶታት ብዛዕባኡእናተጨነቐ ዚነብር፧ ንምንታይከ እዩ ጐይታና ንምጽኣቱ ምስጢራዊ ኺገብሮ መሪጹ፧ እቲ ዕላማ ንጹር እዩ። ኵሉ ሰብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ህይወቱ ዅሉ ግዜድልው ኰይኑ ምእንቲ ኺነብር ምዃኑ ኺስወረና ኣይግባእን። ምኽንያቱ እታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ናይ መጀመርታ መዋቲ ኣቤልን፡ ነቲ ጐይታ ኺመጽእ ከሎ ብህይወትዚጸንሕ ሰብን ማዕረ እያ እትብጽሖም። እቶም ኣቐዲሞም ሞይቶም ኣብ ኣጸደ ነፍሲ ዘለውን፡ እቶም ብህይወት ሃልዮም ኣብ ኣጸደ ስጋ ዘለውን፡ ጐይታ ብኽብሪኺግለጽ ከሎ ብማዕረን ብሓደን እዮም ዚርእይዎ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብህይወቱ ዝጸንሕ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓመድን እምንን ዝጸቐጦ፡ ኣራዊት ዝበልዕ ባሕሪ ዝወሃጦዝዀነ ይኹን ሓለፋ የብሉን። ምኽንያቱ ጐይታ ኺግለጽ ከሎ፡ ነቶም ሓያላት መላእኽቱ ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት ቀቅድሚኡ ኺልእኮም፡ ንሳቶም ድማ ነቶምሕሩያቱ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ምድሪን ሰማይን ብንፋሳት ኪእክብዎም እዮም። ከምቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ራእ 20:13 “ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታትወፈየት፡ ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።” ዝበሎ፡ ዝሞትናሉ ግዜን ቦታን ዘይኰነስ፡ ኣብ ምጽኣትፍልልይ ዜምጽእ፡ እቲ ብህይወት ከሎና ዝነበርናዮ ዓይነት ግብርን ጥራይ እዩ።

እዚ ናይ ምጽኣት ሕቶ ዝተላዕለ፡ ደቀ መዛሙርቱ፡ ካብቲ ቤት መቕደስ ወጺኡ እናከደ ኸሎ፡ ጽባቐ ናይቲ ቤት መቕደስ ኬርእይዎ ምስ ፈተኑ እዩ። ጐይታ ግና ሓንቲእምኒ ኣብ ልዕሊ ኻልእ እምኒ ኽሳዕ ዘይትተርፍ እቲ ቤት መቕደስ ፈጺሙ ኺፈርስ ምዃኑ ነገሮም። እዚ መልሲ ናይ ጐይታ፡ ብዛዕባ ምጽኣቱ ሕቶ ስለ ዘልዓለሎም፡ኣብ ደብረ ዘይቲ ብሕት ምስ በሉ፡ “እዚ መዓስ ኺኸውን’ዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንክ እንታይ እዩ ኪኸውን፧” ኢሎም ሓተትዎ። ንሕቶኦም ኣብዝሃቦ መልሲ፡ ንዅሎም ምልክታት ምጽኣቱ ዘርዘረሎም።ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ምልዓሉ፡ ውግእ ምብዝሑ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥምድርን ምብዝሑ፡ ኣመንቲ ክርስቶስ ብዅሉ ህዝቢ ዓለም ኪጽልኡን ንመኸራ ኺወሃቡን ምዃኖ፡ እቶም ኣመንቲ ንሓድሕዶም ኪጻልኡን ንመከራ ኣሕሊፎምኺወሃሃቡ ምዃኖም፡ ዓመጻ ኺበዝሕ ፍቐሪ ኽትዝሕል፡ ሓሰውቲ ነብያት ኺበዝሑ፡ ነቶም ሕሩያት ከይተረፈ ምእንቲ ከስሕቱ ተኣምራት ኪፍጽሙ ምዃኖምዘርዘረሎም። እዚ ዅሉ ምልክታት ግና ዋላ ቅድሚ ምጽኣት ኣብ ዝነበረ ዘመናትውን ኣዝዩ ዝውቱር እዩ። ንምጽኣት ዜቃልሉ ሰባትውን እዚ ምልክታት እዚ ካብቀደም ኣትሒዙ ዝነበረ ምዃኑ ዜረጋግጽ ዜገርም ስታቲስቲክ የቕርቡ እዮም። ኣብቲ ምጽኣት ጐይታ ዝቐረበሉ ግዜ ግና ቕድሚ ሕጂ ተራእዮ ብዘይፈልጥ መገዲኺበዝሕን ኪኸብድን ምዃኑ ዜመልክት እዩ።

ጐይታና፡ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ምቛም መንግስቲ እስራኤል ምስ ሓተትዎ፡ “ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ጊዚኡን ዘመኑን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን።” ኢሉመለሱሎም ኣሎ (ግብ 1:7)። ምጽኣት ጐይታ ደኣ እዩ ኣብ ፍሉይ መዓልቲ ኪኸውን እምበር፡ ንሕና ግና ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይ ምሉእ ዕድሜና ኢና ድልዋትክንከውን ዚግብኣና። ስለዚ ድማ’ዩ ነቶም ናብ ምድሪ ይሁዳ ኣብ ዘይመዓልቱ ኺድይብ ዚደፋፍእዎ ዝነበሩ ሰባት፡ “ጊዜይ ገና ኣይበጽሐን፡ ጊዜኹም ግና ኵሉ ሳዕእተዳለወ እዩ” በሎም (ዮሃ 7፡6)። እምበኣር ኣብቲ ንኣና ዘይተፈቕደ ሕዛእቲ “መዓስ፧ ብኸመይ፧” እናበልና ኣጐላጕል ካብ ንኸውን፡ ነቲ ወርትግ ድሉው ዝዀነ ጊዜናብኣገባብን ብውጽኢታውን መገዲ ኽንጥቀመሉ እዩ ዜሕሸና። ምኽንያቱ እቲ ነቲ ወትሩ ድሉው ዝዀነ ጊዜኡ ንጐይታኡ ብዜኽብርን ንገዛእ ርእሱ ብዜርብሕን መገዲዚጥቀመሉ ኣስተውዓልን እሙንን ክርስትያን ነቲ ናይ ክርስቶስ ግዜ ፈጺሙ ክስሕቶ ኣይክእልን እዩ። ብቐደሙውን ጐይታና “ኣብዚ ዕለትን ዓመተ ምሕረትን ክመጽእእየ” ዘይበለሉ ምኽንያት፡ እዚ ሓበሬታ እዚ ዘይጠቕመና እምበር ሰንፈላል ኪገብረና ስለ ዝደለየ ኣይኰነን። ንሕናውን ዕለተ ሞትና ወይ ዕለተ ምጽኣቱ ብንጹር እንተዚንገረና፡ ዓይነት ኣካይዳና እንታይ ከም ዚመስል ኣይንስሕቶን ኢና። ክሳዕ እታ ዝተመደበት ዕለት፡ ከም ድላይና ዓንዲርና ኣብታ ድሮኣ ኽንንሳሕ ምመረጽና ኔርና።እቲ መለኾታዊ ኣተሓሳስባ ግና ካብቲ ናትና ስጋዊ ኣተሓሳስባ ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ። ኸምኡ ኸም ዜሕሸና ስለ ዝፈለጠ ድማ በቲ ሰናይ ባህርዩ፡ ነቲ ንሱ ዝመደቦ ግዜንዘመንን ከይንፈልጥ ወሰነ። ስለዚ ድማ ጐይታና፡ “ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቕሑ። ግናኸ ፍለጡ፡ ብዓል ቤት ነታሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ፡ ምነቕሐ፡ ቤቱ ኽትኰዓት ከላውን ስቕ ኣይምበለን። እምበኣር ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዋ ግዜ ኺመጽእ እዩ’ሞ፡ ንስኻትኩምድማ (ኵሉ ግዜ) እተዳለኹም ኵኑ። … ሓቛቝኹም ዕጡቕ፡ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን። ንስኻትኩም ጐይታኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዚምለስ ዚጽበዩ እሞ፡ መጺኡዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ብኡብኡ ዚኸፍትሉ ሰባት ምሰሉ። እቶም ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ፡ ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት ብጹኣን እዮም። ተዓጢቑ ኣብ መኣዲ ኸምዜቐምጦም፡ ቀሪቡውን (ባዕሉ) ኸም ዜገልግሎም ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ኣብ ካልኣይቲ ወይስ ሳልሰይቲ ሕልዋ ለይቲ መጺኡ ኸምዚ እንተ ረኸቦም፡ እቶም ባሮትእቲኦም ብጹኣን እዮም።” ኢሉ ምዒዱናን ኣጠንቂቝናን ኣሎ (ማቲ 24፡42, 44፣ ሉቃ 12፡35-38)።

ንቑሕን ድሉውን ምዃን ግን እንታይ ማለት እዩ፧ “ሎሚ ደዀን ይወጽእ ወይስ ጽባሕ፧” ኢልካ ምሕሳብ ከም ዘይዀነ ርዱእ እዩ። እቲ ንቝሕን ድሉውን ሰብ፡ሃንደበታዊ ዕግስቲ ዚጠልብ ኵነታት ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ብዘይጽንቀቕ ትዕግስቲ ዚገጥሞ፡ ንጽልእን ቂምታን ዚዕድም ኵነታት ኪኽሰት ከሎ ብፍቕርን ምሕረትን ዚገጥሞሰብ እዩ። ሰናይ ግብሪ ኪገብር ዚዕድሞን ዚብድሆን ኵነታት ኬጓንፎ ኸሎ፡ ዚዕወተሉ እምበር ዘይከስሮ ሰብ ብሓቂ ንምጽኣት ጐይታ ድሉው እዩ። ከምዚ ዚዓይነቱድሉውነት ከየርኣኻ፡ ንምጽኣት ጐይታ ምጽባይ ከቢድ ዕሽነት እዩ። እምበኣር ናይ ብሓቂ ንምጽኣት ጐይታ ድሉው ምዃኑ ኺፈልጥ ዚደልይ ክርስትያን፡ ነቲ ዕለታዊህይወቱ እዩ ዚፍትሽ። ኣብታ እንነብረላ ቤትን ከባብን፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ ዝምድናታትና ኣብ ቤተ ክርስትያን፡ ብሓፈሻ ኣብ ኵሉመኣዝናት ናይ ህይወትና ዚህልወና ዓይነት ናብራ ንምጽኣት ጉይታ ዘሎና ድልውነት ወይ ዝንጉዕነት ዚገልጽ እዩ። ኣብ ዝሙትን ሓሶትን ስሰዐን ጽልእን ባእስንቂምታን ወዘተ ዘሎ ሰብ፡ ንምጽኣት ጉይታ ይትረፍ ድሉው ኪኸውን፡ ብእምሮኡውን ከም ዘይሓልፍ ዘየጠራጥር እዩ። እቲ ኣብ ቤተ ክርስትያንን ኣብ ኵሉ ቦታንመንፈሳዊ ሓላፍነቱ ዘይፍጽም ክርስትያን ምእመን ይኹን ኣገልጋሊ ንምጽኣት ጐይታ ድሉው ኣይዀነን። እቲ ንምጽኣቱ ዝተዳልወ ግና፡ ከምቲ እሙንን ኣስተውዓልንኣገልጋሊ፡ ንዅሉ ነገር በብጊዚኡ ብብቕዓት ይገብሮ። እቲ ጐይታ ኸም ዚድንጕይ ወይ ፈጺሙ ኸም ዘይመጽእ ዚሓስብ ሰብ ግና፡ ከምቲ ኽፉእ ባርያ ምስ ብጾቱንኣሕዋቱን ይዋቓዕ፡ ምስ ሰኽራማትን ኣመናዝርን ዀይኑ ይበልዕን ይሰትን። ማይ ኣይሂን ጥፍኣት ሰዶምን ጎመራን ልክዕ ናይ ምጽኣት ጐይታ ጽላሎት ስለ ዝነበረ፡ጐይታና፡ “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ኪኸውን እዩ። ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉንየተኣታትውን ነበሩ። ማይ ኣይሂ ምስ መጸ ድማ ንዅሎም ኣጥፍአ። ብዘመን ሎጥ ድማ ከምኡ ዀነ። ይበልዑን ይሰትዩን፡ ይሸጡን ይሻየጡን፡ ይተኽሉን ይሃንጹንነበሩ። በታ ሎጥ ካብ ሰዶም ዝወጸላ መዓልቲ ድማ ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን ወረደ። ንዅሉ ኸኣ ኣጥፍአ። በታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልቲ ድማ ከምኡ ኪኸውንእዩ።” ብምባል ኣፍሊጡና ኣሎ (ሉቃ 17፡26-30)። ንዓናውን ጐይታ እናበላዕናን እናሰተናን፡ እናእቶናን እናተኣታቶናን፡ እናሸጥናን እናዓደግናን፡ እናተኸልናንእናሃነጽናን ከሎና እዩ ኺመጸና። ስለዚ ነቲ እንገብሮ ዘሎና ዕዮን፡ ነቲ እንዋስእሉ ዘሎና ዝምድናታትን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ጌርና እንተ ገበርናዮን እንተ ነበርናዮንጥራይ ኢና ድልዋት ምዃንና ነረጋግጽ። ነቲ ናብራና እናነበርናዮ ኸሎና ንዝፈጸምናዮ በደላ ድማ ምስቲ መባድልትና ብይቅሬታ፡ ምስ ኣምላኽ ድማ ብንስሓእናተዓረቕና፡ ንፍስናን ስጋናን ክነጽርይ ይግብኣና። እቲ ነዚ ብብቕዓት ኪገብሮ ዚኽእል ድማ፡ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲን ኵነታትን ንምጽኣት ጐይታ ዚሓስብኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ጥራይ እዩ’ሞ ወርትግ ምጽኣቱ ንዘክር።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

 

ዕለት፥ ሰንበት መጋቢት 11, 2018 መጋቢት 2, 2010 (ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 50(49)፡ 3

እግዚአብሔርስ ገሃድ ይምጽእ ወአምላክነሂ ኢያረምም እሳት ይነድድ ቅድሜሁ።

ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን፣ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ፣ ህቦብላ ንፋስውን ይኸቦ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

1ተሰ 4፡13-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል፡ ማቴ 24፡1-36

2ጴጥ 3፡7-15

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ኣትናቴዎስ

ግብ 24፡1-22

ንፍቀ ካህን